ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2012 ዝበለፀ ውፅኢት ንምምፃእ ክሰርሕ እየ - ቢሮ ሃፍቲ ማይ ትግራይ….

መቐለ 05 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ ኣፈፃፅማ ዝነበሩ ድኽመታት ብምእራም ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2012 ዓ/ም ዝለዓለ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝሰርሕ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣብ ኩለን ከተማታት ንዝርከቡ መሓውር ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2011 ዓ/ምን ትልሚ 2012 ዓ/ም ዘትዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ክልል ትግራይ ኢንጅነር ቴድሮስ ገ/ሄር ኣብ ከተማታት ትግራይ ኣብ ቐረብን ኣገልግሎትን ማይ ዘሎ ጥንካረን ድኽመትን ዝገልፅ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ምጥንካር ፎረም ሕብረተሰብን ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ዘለዉ ክፍተታት ብስፍሓት ተዘትዩሎም።

ኣብ 2012 ዓ/ም ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ትልሚ ብምእታው ዝለዓለ ውፅኢት ንምምዝጋብ ድማ ከም ዝስራሕ ተሓቢሩ።