ኢራን ምስጢራዊ መማዕበሊ ፕሮግራም ኒኩሌር ኣለዋ ተባሂሉ…..

መቐለ 05 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኢራን ምስጢራዊ መማዕበሊ ፕሮግራም ኒኩሌር ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኢራን ኣብ ጥቓ ከተማ ኣባዳህ ምስጢራዊ መማዕበሊ ፕሮግራም ኒኩሌር ከምዘለዋ እኹል መረዳእታ ከም ዘለዎም ሓቢሮም።

ንፈለማ እዋን እቲ ፕሮግራም ባእታ ዩራንየምን ኒኩሌርን ዝምዕብለሉ ቦታ ዕላዊ ዝገበሩ ኔታንያሁ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕላዊ ኣብ ዝገበርዎ መረዳእታ ምምዕባል ፕሮግራም ኒኩሌር እውን ከምዘይገለፁ ይፍለጥ።

ኣብቲ መማዕበሊ ፕሮግራም ኒኩሌር ዝተብሃለ ቦታ ኢራን ዝተፈላለዩ ፈተነታት ኣፅዋር ኒኩሌር ከም ተካይደሉ ድማ ሓቢሮም።

ኔታንየሁ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢራን ፅዕንቶ ክፈጥር ድማ ሓቲቶም።