ያያ ቱሬ መኪና ከየሽከርክር ተኣጊዱ

መቐለ ታሕሳስ 05/2009(ድወት) ኣልኮላዊ መስተ ሰትዩ መኪና ከሽከርክር ድሕሪ ምትሓዙ ቅፅዓት ገንዘብ ዝተቐፅዐ ኣይቬርያዊ ኮኸብ ያያ ቱሬ ዕላዊ ይቕረታ ሓቲቱ።

ያያ ሓቢብ ቱሬ 54ሽሕ ፓውንድ ከምዝተቐፅዐን ን18 ኣዋርሕ መኪና ከየሽከርክር ከምዝተኣገደን ተገሊፁ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ያያ ቱሬ ብዘይፍላጥ ዝገበርኽዎ ጌጋ’ዩ፤ ነዚ ድማ ይቕረታ ይሓትት ክብል ገሊፁ ኣሎ።

ቱሬ ዝመፀሉ ማሕበረሰብን ዘለዎ ባህልን መስተ ንክሰቲ ከምዘይፈቕደሉን መስተ’ውን ከምዘይሰትን ኾይኑ ግና ኣብቲ ዕለት ጌጋ ከምዝሰርሐን ገሊፁ።