ልዕሊ 55.6ሚሊዮን ቅርሺ ርእሰማል ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ተዋሂቡ

መቐለ ታህሳስ 14/2009(ድወት) ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብቶም ዝሓለፉ 5ተ ኣዋርሕ ልዕሊ 55.6ሚሊዮን ቅርሺ ርእሰማል ንዘመዝገቡ 16 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝተውሃቦም ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ከምዝበሎ ኣብዚ ዓመት ን24 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ንምሃብ መደብ ተታሒዙ ዛጊድ ልዕሊ 55.6ሚሊዮን ቅርሺ ርእሰማል ዘመዝገቡ 16 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ተዋሂቡዎም ኣሎ።

ካብቶም ፍቃድ ዝተውሃቦም 16 ሃፍቲ እቶም 9ተ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽንን መሽን ክራይን ዝተዋፈሩ እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ 7ተ ድማ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ምዃኖም እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ ኣሎ።

ካብቶም ሰብ ሃፍቲ እቶም ዝበዝሑ ናብ ተግባር ዝተሰጋገሩ እቶም ዝተረፉ ውሱናት ድማ ኣብ ከይድን ቅድመን እንትኾኑ ዛጊድ ድማ ንልዕሊ 400 ወገናት ሓዱሽ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ገሊፁ።

ኣብታ ወረዳ ልዕሊ 1.6ቢሊዮን ቅርሺ ርእሰማል ዘመዝገቡ 131 ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ዓውዲ እናነጠፉ እንትኾን ንልዕሊ 6ሽሕ ሰባት ቀዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልፅ።