ኣትሌት ምሩፅ መርኣያ ኣትሌታት….

መቐለ ታህሳስ 15/2009(ድወት) ኣትሌት ምሩፅ ይፍጠር መርኣያ ኣትሌታት ዝኾነ ውሉድ ህዝቢ ብምዃኑ ብዘበርከቶ ግደ ኹል ግዘ ከምዝዝከር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

 ኣብ 1964 ኣብ ኦሎምፒክ ሙኒክ ሜዳልያ ነሓስ

 ኣብ 1965 ኣብ መላእ ፀወታት ኣፍሪካ ብ10ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ብ5ሽሕ ሜትሮ ነሓስ፣

 ብተመሳሳሊ ኣብ 1969 ኣብዝተኻየደ መላእ ፀወታት ኣፍሪካ ብ5ተን 10ተን ሽሕ ኽልተ ሜዳልያታት ወርቂ ንሃገሩ ዘምፀኣ ኣትሌት እዩ ምሩፅ።

 ኣብ 1972ዓ.ም ኣብ ኦሎምፒክ ሞስኮ’ውን ዳግም ብ5ተን 10ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ኽልተ ወርቂ ብምምፃእ ንሃገሩ ታሪኽ ዝሰርሓ ኣትሌት እዩ።

ምሩፅ ብዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና ኣብ 72 ዓመት ዕድምኡ’ኳ እንተሓለፈ ታሪኹ ግን እናተዘከረ ዝነብር ህያው’ዩ ይብል መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ።
ንፈተውቲ ስድራን ማሕበረሰብ ኣትሌቲክስን ምፅንናዕ ብምምናይ።