ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐን ዝዓበየን ድልድል ንግልጋሎት በቂዑ

ኣብ ደቡብ ምብራቕ ቻይና ትርከብ ግዝኣት ጉዋዝ ኣብ ቻይና ካብ ዘለው 10ተ ዓበይቲ ድልድላት ነቶም 7ተ ዝወነነት እንትኾን ሕዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ድልድል ቤቻንጃንግ ኣመሪቓ ንትራፊክ ኽፉት ገይራ ኣላ።

1ሽሕን 341 ንውሓት ዘለዎ ኾይኑ ካብ መሬት 365ሜትሮ ልዕል ኢሉ ከምዝተሃነፀ’ዩ ዝግለፅ።ሰለስተ ዓመታት ህንፀት ዝወሰደ እዚ ድልድል ልዕሊ 130ሚሊዮን ዩሮ ወይ ድማ 146.7ሚሊዮን ዶላር ወዲኡ ኣሎ።

ምስ በዓል 200 ደብሪ ህንፃ ዝመጣጠን ከምዝኾነ ዝተነገረሉ እዚ ድልድል ቅድም ክብል ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቢ ዝርከብ ድልድል ሩባ ሲዱ ሒዝዎ ዝፀንሐ ክብረ ወሰን ክምንዝዕ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ሓዱሽ ድልድል ቻይና ኣብ ጎቦታት ንዝርከባ ግዝኣታት ጉዋዝን ዩናን ዘራኽብ ኮይኑ ቅድም ክብል ኣብ ሞንጎ ክልቲኣን ግዝኣታት ይወስድ ዝነበረ ጉዕዞ 5ተ ሰዓታት ናብ ሓደ ሰዓትን ፈረቃን ዘሕፅር’ዩ።

ብዘይካ እዚ ቻይና ንውሓት መንገዲ ባቡር ሃገራ ሕዚ ካብ ዘለዎ ኣስታት 19ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ኣብቶም ዝቕፅሉ 3ተ ዓመታት ናብ 30ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ንምዕባይ ፍርቂ ትሪሊዮን ዶላር ከምዝሰልዐት’ዩ ዝግለፅ።
እዚ 80ሚኢታዊ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ብመንገዲ ባቡር ክራኸባ ከምዝገብር ፀብፃባት ይገልፁ።