ኢትዮጵያ ሞንኮርኩር ሳተላይት ናብ ህዋ ክተወንጭፍ ትዳሎ ኣላ

መቐለ ታህሳስ 22/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሞንኮርኩር ሳተላይት ናብ ህዋ ንምውንጫፍ ኣብ ምስራሕ ከምትርከብ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ወንድወሰን ኣንዱኣለም ከምዝገለፅዎ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሳተላይት ሰሪሓ ክተወንጭፍ እያ።

ንፈለማ እዋን ድማ ንኡሽቶ መፈተኒ ሳተላይት ብምስራሕ ፈተነ ምውንጫፍ ንምክያድ ቅድመ ምድላው ተገይሩ’ዩ ኢሎም።

ምስ ሃገራት መዳርግቲ ልምዓት ብዝግበር ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ሳተላይት ንምስራሕ ዘኽእል ዓቕሚ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ፈላማይ ንኡሽቶ ሳተላይት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብሓባር ከምዝስራሕ ዝገለፁ ኣይተ ወንድወሰን እቲ መንኮርኩር’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምስራሕ ፃዕሪ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ንጥቀመሎም መሰረታዊ ናውታት ምስ ሳተላይት ዝተተሓሓዙ ብምዃኖም ሃገራት ዓለም ነቲ ዓውዲ ጠመተ ከምዝሃበኦን ኢትዮጵያ’ውን ከምቲ ካልእ ዓውዲ ሳይንስ ንህዝቢ ዝህቦ ረብሓ ብምርዳእ ጠመተ ሂባ ትሰርሐሉ ከምዘላ ሓቢሮም።

ሃገራዊ ደሕንነት ንምርግጋፅ፣ ግልጋሎት ስልኪ፣ ቴሌቪዥን፣ መረዳእታ ኩነታት ኣየር ንምርካብን እቲ ዓውዲ ዝህቦ ረብሓ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ’ውን ገሊፆም።

ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ ቤት ምኽርን ኢንስቲትዩትን ህዋ ሳይንስ ከምዝተጣየሸ’ውን ተመልኪቱ ኣሎ።