ኮሚሽነር ቦርድ መረፃ ጋምቢያ ካብ ሃገሮም ሃዲሞም

መቐለ ታህሳስ 26//2009(ድወት) ዋና ኮሚሽነር ቦርድ መረፃ ጋምቢያ ካብ ሃገሩ ከምዝሃደመ ተገሊፁ፡፡

ኮሚሽነር ቦርድ መረፃ ጋምቢያ ዓልዩ ማሙር ነጃይ ካብ ሃገሩ ወፃኢ ዝተሰደደ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ሃገር ኣብዝተካየደ ፕሬዚዳንታዊ ውድድር መረፃ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ያሕያ ጃሜ ከምዝተስዓሩ ምስገለፀ ስዒቡ ምፍርራሕ ምስበፅሖ ከምዝኮነ ሮይተርስ ሓቢሩ፡፡

ናበይነይቲ ሃገር ከምዝተሰደደ ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየለ ድማ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ያሕያ ጃሜ ነቲ ውፅኢት መጀመሪያ ቁቡል ገይረሙዎ ተነበሩ’ዃ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ሓሳቦም ብምቅያር ከምዘይቅበልዎ ምግላፆም ዝዝከር’ዩ፡፡