ካብ ወረዳ ሓውዜን ልዕሊ 3ሽሕ ኩንታል መዓር ተረኺቡ

መቐለ ታህሳስ 26//2009(ድወት) ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 3ሽሕ ኩንታል መዓር ከምዝተረኸበ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ልምዓት ሓለዋ ጥዕና ሃፍቲ እንስሳ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ከምዝሓበርዎ ሓረስቶት ካብ ዓንዲ ፍርያት እቲ ወረዳ ዝኾነ ልምዓት ንህቢ ዝያዳ ተረባሕቲ ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይሳለጡ ምህላዎም ኣረዲኦም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ካብ ዘመናውን ባህላውን ቖፎ ንህቢ ልዕሊ 36ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ልዕሊ 3ሽሕን 700 ኩንታል መዓር ተበርቢሩ ናብ ዕዳጋ ከምዝቐረበ ዝሓበሩ ኣይተ ብርሃነ ካብዚ ድማ 301 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 5ሽሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዝኽኣሉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ወረዳ ካብ ሓደ ዘመናዊ ቖፎ ንህቢ ብማእኸላይ 42 ኪሎ ግራም መዓር ካብ ባህላዊ ቖፎ ንህቢ ድማ 14 ኪሎ ግራም መዓር ዝርከበሉ ኹነታት ከምዝተበፅሐን ኣብዚ ዓመት’ዚ ልዕሊ 700 ሓደሽቲ ዘመናዊ ቖፎ ንህቢ ናብ ሓረስቶት ንምትእትታው ይስርሐሉ ምህላዉን 146 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 327 መናእሰይ ድማ ኣብ 12 ማሕበራት ልምዓት ንህቢ ተወዲቦም ይነጥፉ ምህላዎምን ካብ መብርሂ ኣይተ ብርሃነ ንምርዳእ ተኻኢሉ።