ግምሩክ ሑመራ ልዕሊ 10.9ሚልዮን ቅርሺ ኣቑሑ ኮንትሮባንድ ሒዙ…

መቐለ ታህሳስ 27//2009(ድወት) ግምሩክ ሑመራ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 10.9ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ተወካሊ ኣካያዲ ስራሕ ጉምሩክ ሑመራ ኣይተ ሃይለ ገብረማርያም ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝበልዎ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ መንጐ ኢትዮ-ሱዳን ኣብዘለዉ ዶባት ካብን ናብን ክወፁ ክኣትዉ ዝተትሓዙ እዮም።

ካብ መንጐ እቶም ተታሒዞም ዘለዉ ኣቁሑት ኮንትሮባንድ ኢሎም ኣይተ ሃይለ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሽከርከርቲ ኽዳውንቲ ጫማታት ኣፋውስ ውፅኢት ሕርሻ ዝኾኑ በርበረ፣ ሽሮን ጣፍን ካልኦትን ከምዝርከብዎም ድማ ኣረዲኦም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተታሒዞም ዘለዉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ምስ ሕሉፍ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ዝተተሓዙ ክነፃፀር ከሎ ናይ ሎሚዘበን ብኣስታት 5ሚልዮን ቅርሺ ሓለፋ ዘለዎ እዩ ዝበሉ እቶም ተወካሊ ኣካያዲ ስራሕ ምኽንያት ኣብ ቑፅፅር ኮንትሮባንድ ዓቕምና ስለዝተጠናኸረ እዩ ክብሉ ድማ ገሊፆም።