ወዲ 25 ዓመት ኣልጀሪያዊ ሪያድ መሃሬዝ ብሉፅ ኣፍሪካዊ ተፃዋታይ....

መቐለ ታህሳስ 28//2009(ድወት) ወዲ 25 ዓመት ኣልጀሪያዊ ሪያድ መሃሬዝ ብሉፅ ኣፍሪካዊ ተፃዋታይ 2016 ተባሂሉ ብኮንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ካፍ ተሓር’ዩ፡፡

ብሉፅ ተፃዋታይ ኣፍሪካ 2016 ካፍ ንምሓራይ ናይ መወዳእታ 3ተ ሕፁያት ሪያድ መሃሬዝ፣ኦቦሚያንግ፣ሳደማኔ ነይሮም፡፡

በዚውን ኣልጀርያዊ ሪያድ መሃሬዝ ጋንትኡ ሌስተር ሲቲ ፅዋዕ ፕረምየሊግ ኢንግሊዝ ንክተዓትርን ሃገሩ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ጋቦን 2017 ንክትሓለፍ ብዝገብሮ ዝንኣድ ምንቅስቃስ 361 ድምፂ ብምርካብ ሽልማት ብሉፅ ተፃዋታይ ኣፍሪካ 2016 ንክከውን ኣኪኢልዎ እዩ፡፡

እዚ ክብሪ ብምርካቡ ድማ ፈላማይ ኣልጀርያዊ ተፃዋታይ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኦቦሚያንግ 313 ድምፂ
ሳዶማኔ 186 ድምፂ ረኪቦም፡፡

ካብ ኣፍሪካ ውሽጢ ካብ ዝዓወቱ ተፃውቲ ድማ ዩጓንዳዊ ሓላዊ ማዕፆ ጋንታ ማምሎዲ ሳንደውንስ ዴንስ ኦንያንጎ ብ252 ድምፂ ብሉፅ ተፃዋታይ ኣፍሪካ ተባሂሉ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ተፃዋቲት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣርሰናል ኦሰሆላ ብልፅቲ ተፃዋቲት 2016 እንትብሃል ብልፅቲ ጋታ ኣፍሪካ 2016 ማሞሎዲ ሳንዳውንስ ብልፅቲ ሃገራዊት ጋታ ደቂ ተባዕትዮ ዩጓንዳ ደቂ ኣንስትዮ ናይጀርያ ተባሂለን ዝተዳለወለን ሽልማት ተቐቢለን፡፡