ሓምዛ ቢንላደን ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣሜሪካ ሰፊሩ

መቐለ ታህሳስ 28//2009(ድወት) ኣሜሪካ ኣውዲ ቢንለደን ሓምዛ ቢንላደን ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣስፊራቶ፡፡

ወዲ 20 ዓመት ሓምዛ ካብ 2015ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ዕላዊ ኣባል ኣልቃዒዳ ብምኳን ግደ መሪሕነት ኣቡኡ ክትክእ ትፅቢት ዝግበረሉ’ዩ፡፡

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ምዕራባውያን መጥቃዕቲ ክክፈት ክፅውዕ ፀኒሑ’ዩ፡፡

ስለዚ ድማ ሓምዞ ቢንላደን ምስ ትካላት ኣሜሪካ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ከይገብርን ኣብ ምድረ ኣሜሪካ ንብረት ከይውንን ማዕቀብ ደንጊጋ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ሓምዛ ቢንላደን ኣብ ንጥፈታት ግብረ ሽበራ ሕቁሕ ተሳትፎ ይገብር ከምዘሎ ክግንዘብ መግለፂ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓቢሩ፡፡