ኣብ ዞባ ደቡብ ን13 ሰብሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ተዋሂቡ

መቐለ ታህሳስ 30//2009(ድወት) ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ ክዋፈሩ ዝሓተቱ 13 ሰብሃፍቲ ፍቓድ ከምተውሃቦም ዴስክ ሓለዋ ከባቢን ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ዴስክ ኪኢላ ምስፍሕፋሕ ልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ ኣይተ ንጉሰ መረሳ ከምዝሓበርዎ እቶም ፍቓድ ኢንቨስትመንት ወሲዶም ኣብ ልምዓት መስኖ ሃፍቲ እንስሳን ካልኦትን እናነጠፉ ዝርከቡ 13 ሰብሃፍቲ ልዕሊ 235 ሚልዮን ቅርሺ ርእሰማል ዘመዝገቡ እዮም፡፡

እቶም ሰብሃፍቲ ዘድሊ ቅድመ ምድላው ዛዚሞም ናብ ተግባር ዝተሰጋገሩ እንትኾን ዛጊድ ድማ ንልዕሊ 130 ወገናት ቀዋሚን ግዝያዊን ሓድሽ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ኣይተ ንጉሰ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 974 ሚልዮን ቅርሺ ርእሰማል ዘመዝገቡ 99 ሰብሃፍቲ ኣብ ልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ እናነጠፉ እንትኾን ዛጊድ ድማ ንኣስታት 357 ወገናት ቀዋሚን ግዝያዊን ሓድሽ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡