ጀርመን 900 ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ሒዛ…

መቐለ ጥሪ 01//2009(ድወት) ጀርመን ኣብ 2016ዓ.ም.ፈረንጂ 900 ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ።

መብዛሕትኦም ኣብ ዶብ ኦስትሪያ ከምዝተትሓዙ ዝገለፀ ሓበሬታ ሚኒስቴር ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ምስ ሃገራት ፖላንድን ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ዘዋስና ዶብ’ውን ብርክት ዝበሉ ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ደቂ ሰባት ከምዝተትሓዙ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016ዓ.ም.ፈረንጂ 481 ኣብ ዶብ ኦስትሪያ ዝሓዘት ጀርመን ምስ ሃገራት ፖላንድን ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ዘዋስና ዶብ 155 ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ደቂ ሰባት ከምዝሓዘት ገሊፃ።

ኻልኦት 90 ካብ ፈረንሳይ ክኣትው እንትትሓዙ ድሕንነት መንገዲ ኣየር እታ ሃገር ድማ 23 ሰባት ከምዝኣሰረ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ይገልፅ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝወዓሉ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ዜጋታት ሶርያ፣ ጀርመን፣ ዒራቕን ሩሲያን ከምዝኾኑ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ 2015ዓ.ም.ፈረንጂ ፖሊስ ፌደራል ጀርመን 3ሽሕን 370 ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ከምዝኣሰረ ዘዘኻኸሩ ፀብፃባት ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ፈረንጂ ቑፅሪ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ከምዝነከየ ሓቢሮም።