ቻይና ኽልተ ሰበ ስልጣን ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና ኣብትሕቲ ቑፅፅር ኣውዒሉ…

መቐለ ጥሪ 02//2009(ድወት) መንግስቲ ቻይና ንገበን ግዕዝይና ንምምካት ካብዘጣየሾም ኣባላት ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ንኽልተ ሰበ ስልጣን ናይቲ ኮሚሽን ኣብትሕቲ ቑፅፅር ክውዕሉ ምግባሩ ተሓቢሩ።

ኽልቲኦም ኣባላት ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ቻይና ኣብትሕቲ ቑፅፅር ክውዕሉ ዝተገበረ ንምርመራ ገበን ግዕዝይና ክዛባዕ ብምግባሮም ከምዝኾነ ገዛኢ ፓርቲ ኮሚረስት ፓርቲ ቻይና ገሊፁ።

ኽልቲኦም ብስነ ጉድለት ስነ ምግባር ክኽሰሱ ምዃኖም ድማ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ምግላፁ ተሓቢሩ።

ፕረዝደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ስልጣን ካብዝጭብጡ ናብዚ ኣብ ሃገሮም ቻይና ንዝፍፀም ገበን ግዕዝይና ንምምካት ልዕሊ 500ሽሕ ዝሓቖፈ ኮሚሽን ኣንፃር ግዕዝይና ኣብ መላእ እታ ሃገር ከምዘጣየሹ ፀብፃባት የመልክቱ።

እቲ ኮሚሽን ካብዝጣየሽ ካብዝሓለፈ 2016ዓ.ም ፈረንጂ ናብዚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንዝርከቡዎም 410ሽሕ ሰበ ስልጣን ብዝፈፀሙዎ ገበን ግዕዝይና ክሕተቱ ምግባሩ ኣሶሺየትድ ፕረስ ይገልፅ።