ሓምሻይ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ መናእሰይ ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ከተማ ባህርዳር...

መቐለ ጥሪ 02//2009(ድወት) ሓምሻይ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ መናእሰይ ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ከተማ ባህርዳር ካብ ጥሪ 5 ክሳብ ጥሪ 9 ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ፌደሬሽን ኣትሌቲክ ኢትዮጵያ ኣብዝውፅኦ ሓበሬታ እዚ ካብ 18 ክሳብ 19 ዓመት ዕድሚኦም ኣትሌታት ዝሳተፍሉ ንሕንሕ ብዋናነት ኣብ ኣልጀርያ ንዝካየድ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝሳተፍ ኣትሌታት ንምምራፅ እዩ።

ኣብቲ ሻምፕዮና ድማ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ክሳተፋ እየን።

ብ20 ዓይነታት ውድድር ድማ ክካየድ እዩ።