ልዕሊ 300 መንቀሳቐስቲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን 14ሚልዮን ቅርሺ ዕዳጋ ምትእስሳር ተጌሩ…

መቐለ ጥሪ 02//2009(ድወት) ኣብ ወረዳ ኦፍላ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንልዕሊ 300 መንቀሳቐስቲ ትካላት ንግዲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ብልዕሊ 14ሚልዮን ቅርሺ ብዕዳጋ ክተኣሳሰሩ ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ትካላት ንግዲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ከምዝሓበሮ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 972 ወገናት ብዝተፈላለዩ ዓይነት ሞያ ክስልጥኑ ዝተገበረ ኾይኑ ኣስታት 273 ሸቕሊ ኣልቦ ወገናት ድማ ቐዋሚን ግዝያውን ሓድሸ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም ኣሎ።

ከምኡ’ውን ኣብቲ ዓውዲ እናነጠፉ ዝርከቡ 305 ወገናት ልዕሊ 14ሚልዮን ቅርሺ ብዕዳጋ ክተኣሳሰሩ ዝተገበረ ኾይኑ ካብቲ ዓውዲ እናነጠፉ ዝርከቡ 459 ድማ 1.1ሚልዮን ቀርሺ ከምዝዓቖሩ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅድም ክብል እቲ ዓውዲ ንምጥንኻር ብልቓሕ ተኸፋፊሉ ዝነበረ ልዕሊ 190ሽሕ ቅርሺ ከምተመለሰ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።