ኢትዮጵያ ዝኾነት ሃገር ዘለዋ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ርክብ ክትቕፅለሉ እያ-ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም…

መቐለ ጥሪ 02//2009(ድወት) ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነት ሃገር ዘለዋ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ርክብን ፖሊስን ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ሃገራዊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃእን ዲፕሎማስን በዚ መትከልን ርክብን ዝተሓንፀፀ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ምስ መንግስትን ህዝብን ግብፂ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ሓዊሱ ዲፕሎማስያዊ ርክብ እውን ንምጥንኻር እናሰርሐት ከምዝፀንሐት ብምግላፅ ብቐፃሊ’ውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቶም።

እዚ ኮይኑ ግና ገለ ትካላት ግብፂ መንግስቲ ብኣሸባሪነት ዝፅዎዖም ሓይልታት ጥፍኣት ብምሕጋዝ ኢትዮጵያ ንምሕማስ እናሰርሑ ምዃኖም ዝፍለጥ ምዃኑ ገሊፆም።

ብመሰረት’ዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመነግስቲ ግብፂ እዞም ትካላት መን ምዃኖምን ዕላመኦምን ኣፃርዩ ንክሓቶም ጌሩ እዩ ኢሎም።

ካብዚ ብዝሰገረ ምስ ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደልፋታህ ኣልሲሲ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ከምዝተዘራረቡ ዝሓበሩ ኣይተ ሃይለማርያም እቲ ዘተ ንምቕፃል ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ’ውን ተዛሪቦም።

ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደልፋታህ ኣልሲሲ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብዚ ጉዳይን ኻልኦት ኽልቲኣዊ ጉዳያትን ከምዝዝትዩ ሓቢሮም።

ብዜካ እዚ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ሻዕቢያ እውን ከምዘሎ ዝሓበሩ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም መንግስቲ ሻዕቢያ ሓይልታት ጥፍኣትን ኣሸበርትን ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ኣብ ከባቢ ቐይሕ ባሕሪ ዝፍጠር ዘሎ ምስፍሕፋሕ ሓይሊ ብዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶ ድማ ንኢትዮጵያ ዘስግእ ከምዘይኾነ ገሊፆም። ኣብቲ ከባቢ ሓይልን ዘሰልፋ ዘለዋ ድማ ስትራቴጂካዊ መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ምዃነን ገሊፆም።