ካን ንግዲ ወፃኢ 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

መቐለ ጥሪ 02//2009(ድወት) ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብዚ ኣዋርሕ 1.7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተሊሙ 1 ቢልዮን ዶላር ብምርካብ 60 ሚኢታዊ ትልሙ ኣሳኺዑ’ዩ፡፡

እቲ ኣታዊ ዝተረኸበ ካብ ዝራእቲ ጥረምረ፣ካብ ተፈጥራዊ ዕጣንን እንዳድዕን፣ካብ ዝራእቲ ቅብኣት፣ቡንን ውፅኢት እንስሳትን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ብተወሳኺ’ውን ጨርቅን ዓለባን፣ዕምበባ፣ቖፅሊ ሻሂ ኣትክልትን ፍረምረን ኤሌክትሮኒክስን ቖርበትን ውፅኢት ቖርበትን ብምልኣኽ እቲ ኣታዊ ተረኺቡ’ዩ፡፡

እቲ ኣፈፃፅማ ምስ ሕሉፍ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር’ውን ብ49 ሚልዮን ዶላር ምንካይ ከምዘርኣየን ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ ነቲ ትልሚ ንምዕዋት ቀረብ ምህርቲ ብፅርየትን በዝሕን ብምዕባይ ክስራሕ’ዩ ክብል እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡