ግጥማት ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ቐፂሎም ተኻይዶም…

መቐለ ጥሪ 03//2009(ድወት) 10ይ ሰሙን ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብዘካየዶ ፀወታ ኣርባ ምንጭ ን መከላክያ፣ ኢትዮጵያ ቡና ንዋሃሳ ከተማ፣ ኣዳማ ከተማ ን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተመሳሳሊ ክልተ ንሓደ ስዒረን።

ፋሲል ከተማን ወላይታ ዲቻን ንንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያን ጅማ ኣባቡናን ኣብ ዘአንገዳሉ ፀወታ ድማ ሓደ ንባዶ ረቲዐን።

ብተመሳሳሊ ደደቢት ምስ ድሬዳዋ ከተማን ሲዳማ ቡና ምስ ኢትዮ-ኤሌክትሪክ ብተመሳሳሊ ማዕረ ሓደ ንሓደ ተፈላልየን።

ሎሚ ሮቡዕ ቐፂሎም ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንወልዲያ ከተማ ከኣንግድ እዩ፣ ሰዓት 11፡30።

ብኻልእ ወገን ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ቐዳማይ እግሪ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሊግ ካፕ ኢንግሊዝ ማንችስተር ዩናይትድ ተዓዊታ።

ኣብ ሜድኣ ንሃልሲቲ ዘኣንገደት ማንችስተር ዩናይትድ ብሽቶታት ማታን ማርዋ ፊላኒን ክልተ ንባዶ ተዓዊታ።

ናይ መልሲ ፀወታ ኣብ ሜዳ ሃልሲቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክራኸባ እየን።

ሎሚ ሳውዝ ኣምፕተን ምስ ሊቨርፑል ምሸት ሰዓት 4፡30 ክራኸባ እየን።