ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ…

መቐለ ጥሪ 03//2009(ድወት) ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብዝተፈላለዩ ገበናት ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ንክፍትሑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ እዩ ኢሎም ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ።

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ፅቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ፕረዝደንት ኣብተን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ገበናት ተኣሲሮም ንዝርከቡ ዜጋታት ብምሕረት ዝፍትሕሉ ኹነት ንምምችቻው ፅቡቕ ዕድል እዩ ኢሎም።

ኣብ ስዑዲ ዓረቢያ ኣብ ቤት ህንፀት ዝነበሩ 375 እሱራት ብዝተገበረ ዝርርብ ክፍትሑ ምኽኣሎም ናይዚ መርኣያ ምዃኑ ዘፍለጡ ዶክተር ሙላቱ ኣብ ኻልኦት ሃገራት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን’ውን ብምሕረት ንክፍትሑ መንግስቲ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ልዕሊ 1ሚልዮን ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምዘለዉን እቶም ልዕሊ 500ሽሕ ድማ ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ምዃኖም ፀብፃባት የመላኽቱ።