መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጁቡቲ ርክብ እተን ሃገራት ዘዕቢ እዩ…

መቐለ ጥሪ 03//2009(ድወት) ህንፀት መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጁቡቲ ማሕበረ ቑጠባዊ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተዛሪቦም።

ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ክሳብ ጁቡቲ ዝተዘርገሐ መስመር መንገዲ ባቡር ትማሊ እንትምረቕ ዝተረኸቡ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ እቲ መስመር ባቡር ንምረቓ ምብቕዑ ኽልቲኤን ሃገራት ቅልጡፍ ቑጠባ ንከመዝግባን ርክበን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘብፅሐ’ዩ ኢሎም።

ህንፀት መስመር መንገዲ ባቡር ደወሌ ጁቡቲ ንማእኸል ሃገር ሸቀጥ ዝፀዓና መካይን ሽዱሽተ መዓልቲ ይወስደለን ዝነበረ ናብ ሓደ መዓልቲ ዘውርድ እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዓቕሚ መጓዓዝያ ዘዐቢ’ዩ ጥራሕ እንተይኾነስ ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ኹለመዳያዊ ግስጋሰ ትርጉሙ ዕዙዝ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ፕረዝደንት ጁቡቲ እስማኤር ዑመር ጊሌ ብግደኦም ልዕሊ 250 ኪሎ ሜትሮ ዝንውሓቱ እቲ ንምረቓ ዝበቕዐ ህንፀት መስመር መንገዲ ባቡር ደወሌ ጁቡቲ ነዊሕ ንዝገበረ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዘሰጋግሮ ገሊፆም።

ህንፀት መስመር ባቡር ደወሌ ጁቡቲ ኣካል እቲ 3.4ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ኢትዮ-ጁቡቲ መንገዲ ባቡር ምዃኑ ዝዝከር’ዩ።