ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣበ ምድላው ትኹረት ተገይሩ ኣሎ…

መቐለ ጥሪ 03//2009(ድወት) ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ብምዕባይ ቑጠባዊ ዝላ ንምርግጋፅ ይስርሑ ኣብ ዘለው ፕሮጀክታት ልምዓት ዝወፍር ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምድላው መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ገሊፆም።

ብርእስ ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለን ስታዲየም ትግራይን ዘሎ ሰለጤን ህንፀት እቶም ፕሮጀክታት ተዓዚቡ።

ብመንግስቲ ፌደራል ይህነፅ ዘሎ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ 75 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ፈላማይ ምዕራፍ ህንፀት እቲ ፓርክ 15 ሼዳት ዝሓዘ ኾይኑ ስራሕቲ ህንፀት /ሲቪል ኢንጅነሪንግ/ ከምዝተወገነ መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ዘካርያስ ገብረኣናንያ ኣብሪሆም።

እዚ ብ ሲሲሲሲ ዝተብሃለ ኩባኒያ ኮንስትራክሽን ቻይና ይህነፅ ዘሎ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኣብ ግንባራት ዓለባን ጋርመንትን ዝወፍሩ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘተኣናግድ ኾይኑ ልዕሊ 400 ቻይናውያንን ልዕሊ 1ሽሕ ዜጋታትን ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ፓርክ ዝወፍሩ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንምስሓብ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለው ዝገለፁ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ብወገኖም ዘድሊ መሰረተ ልምዓት ክማልኣሉ ዝግበሩ ፃዕርታት ከምዘለው’ውን ገሊፆም።

ኣብዞም ማሕበረ ቑጠባዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ዜጋታት ከረጋግዑ ይህነፁ ኣብ ዘለው ገዘፍቲ ፕሮጀክታት መሰረቶም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምግባር ስልጠና ተግባር ክወስዱ ይግበር ከምዘሎን ንምግፋሕ ትካላት ስልጠና ትኹረት ከምዝተውሃቦም ዘድሊ ሓይሊ ንምምላእ ምድላው ይግበር ከምዘሎን ኣመልኪቶም።