ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቅርሺ ቦንድ ተዓዲጉ…

መቐለ ጥሪ 03//2009(ድወት) ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብቲ ዝተዛዘሙ ፍርቒ ዓመት ንመሳለጢ ህንፀት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቅርሺ ዝዋጉኡ ቦንድ ከምዝተዓደገ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ ጠማቲት ኣብያተ ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወይዘሮ ጀንበር ሓድጉ ከምዝሓበርኦ ኣብዚ ዓመት ካብ ነጋዶ ሞዴል ሓረስቶትን ካልኦት ግድሳት ወገናትን ኣስታት 4ሚልዮን ቅርሺ ንምእካብ መደብ ዝተተሓዘ ኾይኑ ዛጊድ ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዋጉኡ ቦንድ ተዓዲጉ እዩ።

እቲ ዝተረፈ ልዕሊ 3ሚልዮን ቅርሺ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምትእኽኻብ ድማ ምልዕዓል ምግባር ዘሎ ኾይኑ ኣብቲ ኽፋላይ ሕብረተሰብ ዝረኣይ ዘሎ ድሌት ምኽፋል’ውን ዝነኣድ ምዃኑ ወይዘሮ ጀንበር ሓቢረን።

ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ወርሓዊ መሃይኦም ኸፊሎም ዝዛዘሙ ምዃኖም ዘዘኻኸራ ወይዘሮ ጀንበር ዛጊድ ድማ ካብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ነጋዶን ካልኦት ግድሳት ወገናትን ንመሳለጢ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብቦንድን ወፈያን ልዕሊ 29.5ሚልዮን ቅርሺ ኣታዊ ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።