ኣብ ምክልኻል ጎንፂ ትኹረት ተዋሂቡ ክስርሐሉ ይግባእ ተባሂሉ

መቐለ ጥሪ 03//2009(ድወት) ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ክዓስል ዝለዓለ ግደ ተበርክት ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ዓለም ዝረኣዩ ፀገማት ሰላምን ደሕንነትን ኣብ ምቅላስ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ።

ኣብ መላእ ዓለም ይረኣ ዘሎ ፀገም ሰላምን ደሕንነትን ንምፍታሕ ዛብ ዝግበር ፃዕሪ ዝተዋደደ ቃልሲ ከምዝጠልብ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር “ግጭት ምክልኻልን ሰላም ምርግጋፅን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ብደረጃ ሚኒስትራት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘረባ’ዮም ነዚ ዝገለፁ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ባንኪ ሙን ኣብ እዋን ስርሖም ንሰላም ዓለም ዝነበሮም ግደ ብምንኣድ ሓዱሽ ዋና ፀሓፊ እቲ ውድብ ኣንቶኒዮ ጉተረስ’ውን ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ፀገማት ጎንፅን ዘይምርግጋዕን ሓደሽቲ መፍትሒ ሓሳባት ክውስኹ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም ዶክተር ወርቅነህ።

ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ጎንፂ፣ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ወሳኒ ግደ ተበርክት ከምዘላ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንብሕቱ ማሕለኻታት ሰላምን ፀጥታን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኢትዮጵያ ኢዳ ሓዊሳ ኣብ ምስራሕ ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊፆም።

ምስ ኣህጉራውን መሓዙት ትካላትን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ክህሉ ምግባር ከምዝግባእ’ውን ኣመልኪቶም።

ኣብቲ መድረኽ ዘረባ ዘስምዑ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብወገኖም ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ጎንፂ ኣቐዲምኻ ኣብ ምክልኻል ትኹረት ተዋሂቡ ክስርሐሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም ከም ፀብፃብ ድረ ገፅ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ።