ኡጋንዳ ዕቑብ ንምሃብ ልዕሊ ዓቕማ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ

መቐለ ለካቲት 08/2009(ድወት) ኡጋንዳ ናብ ሃገራ ንዝውሕዙ ስደተኛታት ኣብ ሃገራ ዕቁባ ንምሃብ ካብ ዓቅማ ብላዕሊ ኮይኑ ከምዘሎ ኣፍሊጣ፡፡

ስካብ ሕዚ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምቕባል ኣብ መሬት ሃገራ ክዕቀቡ ከምዝገበረት ዝገለፀት ኡጋንዳ ይኹን’ምበር ድሕሪ ሐዚ ንስደተኛታት ንምቕባል ሕፅረት መዕቖቢ ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ኣፍሊጣ፡፡

ንስደተኛታት ሕፅረት መዕቖቢ መሬት ስለዘጋጠማ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ሃገራ ንዝኣትዩ ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ክዕቖቡ ክገብርን ክተሓባበራን ድማ ተማሕፂና፡፡

ፀብፃባት ከምዝገለፅዎ ኡጋንዳ ካብዓለም ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሃገራ ዘዕቖበት ሳልሰይቲ ሃገር እያ፡፡

ኣብታ ሃገር ዝተዓቀቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን ከምዝኮነ ድማ ወርልድ ቡሊተን ሓቢሩ፡፡