ኢትዮጵያን ስዊድንን ክልቲኣዊ ርክበን ከምዘጠናኽራ ገሊፀን

መቐለ ለካቲት 08/2009(ድወት) ኢትዮጵያን ስዊድንን ክልቲኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን፡፡

ሚኒስትር ደኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ሓላፊት ፓለቲካዊ ጉዳያትን ስዊድን ሚስ ኣና ካሪን ኢንስትሮም ተቐቢለን ኣዘራሪበን፡፡

ክልቲአን ሃገራት ብቑጠባ ማሕበራውን ፓለቲካውን ዓውድታት ጥንኩር ርክብ ከምዘለወን ዝገለፃ እተን ሚኒስትር ደኤታ እዚ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ፓለቲካዊ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምዕባይ ብምስራሕ ሓበራዊ ተጠቃምነተን ምዕባይ ከምዝኸኣለ ሓቢረን፡፡

ኣብ ጉዳይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝህልው መድረኻት ዘለወን ምትሕብባር ክጠናኸር ክሰርሓ ከምዘለወን’ውን ገሊፀን፡፡

ሰብሃፍቲ ስዊድን ኣብ ዓውዲ ኣግሮ ፕሬሰሲንግን መፍረይን መዋእለ ንዋዮም ከውፍሩ ሓቲተን፡፡

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ሓላፊት ፓለቲካዊ ጉዳያትን ስዊድን ኣና ካሪን ኢንስትሮም ብወገነን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካን ካልኦት ሃገራትን ሰላምን ምርግጋዕን ንምዕሳል ትገብሮ ፃዕሪ ንኢደን፡፡

ሃገረን ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ሰላምን ምርግጋዕን ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዋ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመልክት፡፡