መበል 15 ጉባኤን ምርኢት ባዛርን ፋይን ኮፊ ኣፍሪካ ተኸፊቱ…

መቐለ ለካቲት 08/2009(ድወት) መበል 15 ዓለምለኻዊ ጉባኤን ምርኢት ባዛርን “ፋይን ኮፊ ኣፍሪካ” ምህርቲ ቡን ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝፈጥር እዩ ኢሎም ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ።

ነቲ ጉባኤ ሎሚ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊንየም እንትኸፍቱ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣፍረይቲ ቡን ሓረስቶት ኢትዮጵያ ፍርያቶም ዝእክብሉ እዋን ብምዃኑ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ምህርቲ ቡን ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዓቢ ዕድል ዝፈጥር ጉባኤ እዩ።

ብዜካ እዚ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምህርቲ ቡን ብምፍላጥ ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዘሓዘቶ ኣታዊ ንምዕዋት ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብቲ ጉባኤ ልዕሊ 11ሽሕ ዓለምለኸ ኣፍረይቲ ቡን ነጋዶ፣ ዓደግትን ሰብ ሞያን እናተሳተፉ እዮም።

መበል 15 ጉባኤ “ፋይን ኮፊ ኣፍሪካ” ኣብ መንጐ ኣፍረይትን ዓደግትን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣር ቐንዲ ዕላማ ዝሓዘ እዩ።

ኢትዮጵያ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ትረኽበሎም ምህርትታት ሓደ ዝኾነ ቡን 26ሚኢታዊ ብፅሒት ዝሕዝ እዩ።

“ምምሕያሽ መፍረያይነትን ኢንቨስትመንት ኢንዳስትሪ ቡን ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ ዘሎ መበል 15 ጉባኤ ፋይን ኮፊ ኣፍሪካ ክሳብ 10 ለካቲት 2009ዓ.ም ዝፀንሕ እዩ ክብል ማዕኸን ዜና ቱርኪ ኣናዶል ፀብፂቡ።