ጎቦታት ዓድዋ መስሕብ በፃሕቲ ንምግባር ይስራሕ’ሎ

መቐለ ለካቲት 09/2009(ድወት) ታሪክ ዝተፈፀመሎም ጎቦታት ዓድዋ መስሕብ በፃሕቲ ክኮኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

እቱ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ ብምክንያት መበል 121 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝሃቦ ጋዘጣዊ መግለፂ እዩ።

ጎቦታት ዓድዋ ሕልሚ ወራርን ምቅርማት ኣፍሪካን ባዕዳውያን ዝበርዐነሉ እዩ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ህሪት ወልደማርያም ምእንተ’ዚ ተዓዋታይነት ፀለምቲ ህዝብታት ንዘመላክቱ ኣሰር ዓወት ዝኮኑ ጎቦታት ዓድዋ መስሕብ በፃሕቲ ኮይኖም ግልጋሎት ክህቡ ይግባእ።

ነዚ ዘዘካክር ሙዝየም ከምዝህነፅ እዚ ድማ በፃሕቲ ዓዲ ብዛዕባ ታሪክ ዓድዋ እኩል ግንዛበ ክህልዎም ዝሕግዝ እዩ ኢለን ዶክተር ህሪት።

ብዜካ’ዚ ዩኒቨርስቲ ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምክፋት ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ምህላው ሓቢረን።

ብምክንያት እቱ በዓል ናብ ዓድዋ ጉዕዞ እግሪ፤ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ፓነላት፤ ሲምፖዝዮም፤ ኢግዚብሽን ፎቶ ንኮንሰርት ሙዚቃ ሕብረ ዝማሬን ምክያድ እዩ ክበዓል ኢለን።
በዓል ዓወት ዓድዋ ሎምዘበን ‘’ዓወት ዓድዋ ብዙሃነት ንዘረጋገፀት ኢትዮጵያ ድክነት’ውን ከምትስዕር ህያው ኣብነት እዩ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክሳለጥ።