ዶክተር ሪቻርድ ፓንክረስት ካብዛ ዓለም ተፈልዮም

መቐለ ለካቲት 10/2009(ድወት) ተመራማርን ፀሓፍን ታሪክ ሪቻርድ ፓንክረስት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

1927ዓ.ም.ፈረንጂ ኣብ ኢንግሊዝ ዝተወለዱ ሪቻርድ ፓንክረስት ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ዘተኮሩ ልዕሊ 20 መፅሓፍቲ ብውልቀን ብሓባርን ኣሐቲሞም’ዮም።

ካብ 1956ዓ.ም.ፈረንጂ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኣብ ስራሕቲ ምርምር ይነጥፉ ዝነበሩ እንትኾን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዱስ ኣበባ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ብሙያ መምህርነት ሰሪሖም’ዮም።

መስራቲ ትካል መፅናዕቲ ቋንቋታት ኢትዮጵያ’ውን’ዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ብሞት ሪቻርድ ፓንክረስት ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም።

እዞም ዓብዪ ተመራማሪ እሙን መሓዛ ኢትዮጵያ ዝነበሩ’ዮም፤ ብፍላይ ሓወልቲ ኣክሱም ካብ ጣልያን ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ልዑል እጃም ነይርዎም።

ዶክተር ሪቻርድ ፓንክረስት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገበርዎ ሓፈሻዊ ኣበርክቶ ኣብ 2008ዓ.ም ካብ ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ሽልማት ኣፍልጦ ከምዝተበርከተሎም ይዝከር።