ቑፅሪ ስደተኛታት 2016ዓ.ም ፈረንጂ 1.2ሚልዮን በፂሑ…

መቐለ መጋቢት 09/2009(ድወት) ኣብ 2016ዓ.ም ፈረንጂ ናብ ሕብረት ኣውሮፓ ናይ ዝኸዱ ቑፅሪ ስደተኛታት 1.2ሚልዮን ምብፅሑ ተገሊፁ።

ይኹን’ምበር ብ2015ዓ.ም ፈረንጂ ናብቲ ሕብረት ካብዝተሰደዱ ቑፅሪ ስደተኛታት ብ10ሚኢታዊ ዝነከየ ምዃኑ ኤኤፍፒ ንስታቲስቲክስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምጥቓስ ገሊፁ።

ናብ ኣውሮፓ ካብዝተሰደዱ መብዛሕቶም ስደተኛታት ሶርያ ዝበዝሑ ከምዝኾኑ ዝገለፀ ኤኤፍፒ ቐፂሎም ድማ ዜጋታት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ምዃኖም ገሊፁ።

ጀርመን ካብኦም 60ሚኢታዊ ዝተቐበለት ሃገር ከምዝኾነት ድማ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ኣውሮፓ ብሜዲትራንያን ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ንዝፈልሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምክልኻል ምንቅስቓስ ካብዝጅምሩ ካብዝሓለፈ ዓመት ናብዚ ምንካይ ከምዘርኣየ ኤኤፍፒ ወሲኹ ገሊፁ።