ኢትዮጵያን ሩስያን ምትሕብባረን ከጠናኽራ ተሰማሚዐን…

መቐለ መጋቢት 11/2009(ድወት) ሃገራት ኢትዮጵያን ሩስያን ኣብ ዓውደ ባህልን ቱሪዝምን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ተፈራሪመን።

ሓበራዊ ኮሚሽን መንግስታት ኽልቲኤን ሃገራት ብቐፃልነት ኣብ ሳይንስ፣ ንግዲ፣ ቑጠባን ቴክኒካዊ ሓገዛትን’ውን ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዑ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቕነ ዝተኻየደ ሻድሻይ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን መንግስታት ኢትዮጵያን ሩስያን ስዒቦም ዝተበፅሑ ስምምዓት ኾይኖም ኣብ ሞንጎ ኽልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ ብምዕባይ ምህርታተን ኣብ ዕዳጋ ኽልቲኤን ሃገራት ዝኣትወሉ ባይታ ንምፍጣር’ውን ተሰማሚዐን።

ብወገን ኢትዮጵያ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽንን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ኣይተ ኣለማየሁ ተገኑ እቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ዘለዋ ርክብ ንምዕባይ ዕድል ዝረኸበትሉ ትርጉም ዘለዎ ኣኼባ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኽልቲኤን ሃገራት ኣብ ቐፃሊ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ብምዕባይ ኣብ ግንባራት ትምህርቲ፣ ሕርሻን ኢንዳስትርን ዘሎ ምትሕብባር ክዓቢ ከምዝሰርሓ ሓቢሮም።

ካብዚ ብዝሰገረ ኢትዮጵያን ሩስያን ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ተሓባቢረን ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ ግልጋሎት መጓዓዝያ ኣየር፣ ምፍራይ ሓይልን መዓድንን’ውን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ዝተበፅሐሎም ዓውድታት ምትሕብባር ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሩስያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቑጠባዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ዘኽእል ኣኼባ ከምዝነበረ ዝገለፁ ብወገን ሩስያ ኣቦ መንበር ሓበራዊ ኮሚሽን መንግስታት ኽልቲኤን ሃገራትን ሚኒስትር ዲኤታ ኸባብን ሃፍቲ ተፈጥሮን ሩስያ ኢኬጄኒ ኪሰሌቭ ብወገኖም ሰብ ሃፍቲ ሃገሮም ኣብ ምፍራይ ሓይልን መዓድንን ንምውፋር ዘኽእሉ ዘተታት ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።

ሻብዓይ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ኢትዮ-ሩስያ ኣብ 2018 ኣብ ሞስኮ ክካየድ እዮም።