ብዛዕባ ፅዕንዕንታ ንዘራረብ መሪሕ ቃል መዓልቲ ጥዕና ዓለም…

ሎመዓንቲ 7 April መዓልቲ ጥዕና ዓለም እዩ።

ፅዕንዕንታ ብዛዕባ ፅዕንዕንታ ንዘራረብ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሓደ ዓመት ወፍሪ ብምክያድ ክኽበር እዩ።

ፅዕንዕንታ ምኽንያት ሕማምን ውስንነትን እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዓለምና 300ሚልዮን ሰባት ብሕማም ፅዕንዕንታ ይሳቐዩ።

ካብ 2005 ክሳብ 2015 መጠን በዚ ሕማም ዝሳቀዩ ብ18ሚኢታዊ ወሲኹ ኣሎ ከም ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም።

ነዚ’ውን እዩ ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ክኸውን ተደልዩ ዘሎ ድማ ይብል።