ፓርክ ጉንሀይ ብዕሊ ተኸሲሰን

መቐለ ሚያዝያ 09/2009(ድወት) ምስ ገበን ግዕዝይና ብዝተትሓዘ ካብ ስልጣን ዝተወገዳ ፕረዝደንት ደቡብ ኮርያ ፓርክ ጉንሀይ ዕላዊ ክሲ ገበን ግዕዝይና ተኸፊቱወን።

ስልጣነን ብዘይኣግባብ ብምጥቃም እውን ከምዝተኸሰሳ ተገሊፁ።

ፕረዝደንት ፓርክ ምስ ዓበይቲ ሰብ ሃፍቲ ብምርኻብ ብላዕ ብምቕባል ከምዝተኸሰሳን ምስ 3ተ ርእሰን ከምዝተኣሰራን’ውን ይግለፅ።

ፕረዝደንት ደቡብ ኮርያ ዝነበራ ፓርክ ጉንሀይ ኣብ 2012ዓ.ም.ፈረንጂ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ውድድር ብብዙሕ ድምፂ ተዓዊተን ናብ ስልጣን ዝመፃ ፕረዝደንት ምንባረን ይዝከር።