ሰሜን ኮርያ ሓዱሽ ምትኳስ ሚሳይል ክተካይድ ኣጠንቒቓ…

መቐለ ሚያዝያ 10/2009(ድወት) ሰሜን ኮርያ ኣብ ሃገራ ባዕላ ንዝሰርሐቶ ዝረቐቐን ዘመናውን ትብሎ ባሊስቲክ ሚሳይል ፈተነ ተካይደሉ ምዃና ኣፍሊጣ።

ሰሜን ኮርያ ነዚ ዘፍለጠት ብኣሜሪካ ክፍነወላ ንዝኽእል መጥቓዕትን ንመጠንቀቕታ ማሕበረሰብ ዓለምን ንጐኒ ብምግዳፍ ከምዝኾነ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ተደጋጋሚ ፈተነ ምትኳስ ተምዘግዛጊ ሚሳይል ምክያድ ትቕፅለሉ ምዃና ምኽትል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር ሃን ሶንግ ርዮል ምግላፆም ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ተኸፊታ ዘለዋ ኹሉ ዓይነት ኣፅዋር ክትጥቐም ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።

ይኹን’ምበር ምኽትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ካብ ምክያድ ክትቑጠብ ይሓሻ ክብሉ ኣጠንቒቖም ኣለዉ።

ምኽትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ነዚ ዘጠንቐቑ ኣብ ደቡብ ኮርያ ምስኣተዉ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኮይኑ ሰሜን ኮርያ ዝሰርሐቶ ዘመናዊ ተምዘግዛጊ ሚሳይል ኣብ ፈተነ ምስፈሸለ ስዒቡ እዩ።