ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣይንኣቱን ግብፂ…

መቐለ ሚያዝያ 12/2009(ድወት) ኣብ ህንፀት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ረብሓታት ዘረጋግፅ እምበር ረብሓ ግብፂ ኣይትጎድእን ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበዮህ ገሊፆም።

ዶክተር ወርቅነህ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ግብፂ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ግብፂ ኣብዝዘተይሉ እዋን እዩ ከም መግለፂ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ኣሕራም ኦንላይን።

ኢትዮጵያ ድሌታት ልምዓታ ንምምላእ ሃፍትታት ተፈጥሮኣ ክትጥቀም እያ ዝበሉ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮህ እንተኾነ ረብሓታት ህዝቢ ግብፂ ንምጉዳእ ኢላ እትሰርሖ ስራሕ ከምዘይህሉ ገሊፆም።

ኣነ ኣብዚ ተረኺበ ዘለኹ ኢሎም ዶክተር ወርቅነህ ይብል ኣሕራም ኦንላይን ህዝቢ ግብፅን ህዝቢ ሃገረይን ብሓባር ባህጊ ሽቶታቶም ከዐውቱ ብሓባር ንምስራሕ ኣብዘኽእሎም ጉዳይ ንምጥንኻር እዩ ኢሎም።

ፕረዝደንት ግብፂ ኣልሲሲ ብወገኖም ሃገራት ግብፅን ኢትዮጵያን ኣብ ሩባ ናይል ዘለወን ሓበራዊ ረብሓን ኣብ ኻልኦት ኽልቲኣዊ ረብሓታት ዘረጋግፁ ጉዳያትን ዝሓዝናዮ ስራሕ ብተኣማንነት ክነጠናኽር ኢና ኢሎም።

ብቐንዲ ድማ ሃገሮም ግብፂ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዳ ከምዘይተእቲ ከምዚ ምስዝገብራ ከምዘይትተሓባበርን ምስ ዶክተር ወርቅነህ ብሓባር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣመልኪቶም።