1.7ሚልዮን ዝጎሓሉ ተፈሪድዎም…

መቐለ ሚያዝያ 12/2009(ድወት) ልዕሊ 1.7ሚልዮን ቅርሺ ንውልቀ ረብሓኦም ኣውዒሎም ዝተብሃሉ ኣካያዲ ስራሕን ሒሳብ ሹምን ፋብሪካ እምነበረድ ሌንጮ ብ12 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ተፈሪድዎም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ቶላ በንቲን ሒሳብ ሹም እቲ ትካል ኣይተ ፍቓዱ ጉርሜሳን ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ካብዝርከብ ትካል መፍረይ እምነበረድ ብዝተፈላለየ መንገዲ 1ሚልዮንን 704ሽሕ ቅርሽን ንውልቀ ረብሐኦም ምውዓሎም ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን እቱ ክልል ብመረዳእታ ኣረጋጊፁ ኽሲስዎም እዩ።

እዞም ተኸሰስቲ ንተግባሮም “ኣሉ” ኢሎም ዝሞጎቱ እንትኾን ብዝቐረበሎም መረዳእታ ሰብን ሰነዳትን ግና ነፍሲ ወከፎም 12 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርትን 30ሽሕ ቅርሽን ክቕፅዑ ተፈሪድዎም እዩ።