ኽልተ መናእሰይ ብ20 ዓመት ተቐፂዖም…

መቐለ ሚያዝያ 12/2009(ድወት) ነበርቲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እቶም ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮን ከተማ ሽረ ዝነብሩ ጎይትኦም ብርሃነ ገ/ኪዳንን ሽሻይ ዘርኣይ ተኽለን ይብሃሉ።

ኽልቲኦም ኣብቱ ዞባ ኣብዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኤርትራ ብምኻድ ንወፃኢ ክንወስድኩም ክነሳግረኩም ብምባል ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 11 ኤርትራውያን ብኬንያ ብዝተሸፈነት ኣይሱዚ መኪና ፅዒኖም ንመቐለ ሒዘምዎም መፂኦም።

ኣብ መቐለ ኣብ ሆቴል ሰላም ዓራት ኣትሒዘምዎም ፖሊስ ከተማ መቐለ ሓበሬታ በፂሕዎ ካብ መኪና ፅዕነት ኣይሱዚ ዝተራገፉ ሰባት ኣብ ሆቴል ከምዝኣተዉ ፖሊስ ተኸታቲሉ ኢድ ብኢድ ሒዝዎም።

እዞም ካብቶም ስደተኛታትን ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣዝማዶምን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ንምእካብ ሓሲቦም ገበን ዝፈፀሙ ኽልተ ሰባት ጎይትኦም ብርሃነን ሽሻይ ዘርኣይን ጉዳዮም ዘፃረየ ማይእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ነፍሲ ወከፎም 20 ዓመት ማእሰርትን ካብ 5ሽሕ ክሳብ 10ሽሕ ቅርሽን ክቕፅዑ ተፈሪድዎም።