ርክብ ኢትዮ-ጃማይካ…

መቐለ ሚያዝያ 13/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ምስ ጃማይካ ዘለዋ ርክብ ንግድን ቱሪዝምን ክጠናኸር ክሰርሕ እየ ኢላ።

ርክብ ኢትዮ-ጃማይካ ኣብ 1961ዓ.ም ፈረንጂ ጉጅለ ልኡኽ ጃማይካ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ምስካየደ እዩ ተጀሚሩ።

ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብ 1966ዓ.ም ኣብ ጃማይካ ዑደት ምክያዶም ድማ እቲ ርክብ ክጠናኸር ጀሚሩ።

በዚ ድማ ጃማይካውያን ኢትዮጵያ ከም ኻልኣይቲ ቤቶም ከምዝሓስቡ ባዕልቶም ዝገልፅዎ እንትኾን ኣብ ሻሸመኔ ድማ ቦታ ተዋሂብዎም ብነፃነት ክነብሩ ከምዝተገብረ ይፍለጥ።

እዚ ድማ እዘን ሃገራት ካብ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ብዝዘለለ ብደም’ውን ክተኣሳሰራ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ጃማይካ ኤድመንድ ባርትሌት እዚ ጥንኩር ዝምድና እዘን ሃገራት ብዓውድታት ቱሪዝምን ንግድን’ውን ክጠናኸር ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ሚስተር ባርትሌት ኣብ ጉባኤ ትካል ቱሪዝም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክሳተፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኦም ምስ ሓበሩ ጐና ጐኒ ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ንግድን ቱሪዝምን ክዛተዩ መደብ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ 60ን 50ን ዓመታት ጀሚሮም 500 ጃማይካውያን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሻሸመኔ ከምዝነብሩ ይፍለጥ።