ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ክሳተፉ’ዮም

መቐለ ግንቦት 26/2009(ድወት) ሰብ ሃፍቲ ቻይና 13 ቦታታት በፃሕቲ ዓዲ ኢትዮጵያ ንምልማዕ ድሌት ከምዘርኣዩ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ገሊፁ።

እቶም ቦታታት በፃሕቲ ዓዲ ንምልማዕ ኣብቲ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ምስ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ስምምዕነት ክፍረም’ዩ።

ብመላይን ዝቑፀሩ በፃሕቲ ዓዲ ንዘለዋ ቻይና ኢትዮጵያ ኣማራፂት ክትኸውን ከምትኽእል ዝገለፃ ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም ኣብ ቦታታት በፃሕቲ ዓዲ ዝካየዱ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ድሌት በፃሕቲ ዓዲ እታ ሃገር መሰረት ዝገበሩ ከምዝኾኑ አፍሊጠን።

ሆቴላት፣ ሎጃት ሹቓትን ካልኦት ንበፃሕቲ ዓዲ ዘድልዩ ቀረባትን ዘካተተ ምኳኑ ኣብሪሀን ።

እዞም ስራሕቲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ብዋናነት ሰብ ሃፍቲ ቻይና ዝውግኑዎም ዋላ’ኳ እንተኾኑ ትካል ኤርፖርታት ኢትዮጵያን ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ዘሳተፈን ተዋዲድኻ ዝስራሕን ከምዝኾነ ኣመልኪተን።
እቶም ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ክሳብ 250ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ከምዝግበረሎም ሓቢረን፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝለምዑ ቦታታት በፃሕቲ ዓዲ ንቅድሚት ዕላዊ ከምዝኾኑ ብምምልኻት።
እዚ ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝመፁ በፃሐቲ ዓዲ ቑፅሮም ክዛይድን ዝፀንሕሉ እዋን ክውስኽን ከምዝሕግዝ ድማ ገሊፀን እተን ሚኒስትር።