ቑጠባ ኢትዮጵያ ብ8.3ሚኢታዊ ክዓቢ እዩ ባንኪ ዓለም…

መቐለ ግንቦት 29/2009(ድወት)
ቑጠባ ኢትዮጵያ 2017ዓ.ም.ፈረንጂ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ቑጠባዊ ዕብየት ከምዝኸውን ባንኪ ዓለም ገሊፁ።

ሃገራት ታንዛኒያ፣ ኮትዲቭዋርን ሴኔጋልን ከምዝስዕብኣ ድማ ኣቐሚጡ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 8.3ሚኢታዊ ቑጠባዊ ዕብየት ከምእተመዝግብ ዝገለፀ እቲ ባንኪ ታንዛኒያ ብ7.2ሚኢታዊ፣ ኮትዲቭዋር ብ6.8፣ ሴኔጋል ድማ ብ6.7ሚኢታዊ ክዓብያ እየን።

እዘን ሃብቲ ነዳዲ ዘይብለን ይዓብያ ዘለዋ ሃገራት ቑጠባዊ ዕብየተን ዘላቒ ኾይኑ ክቕፅል ዝገብሩ ስራሕቲ መሰረተ-ልምዓት፣ ኢንቨስትመንት ብኽለት ከባቢ ዝከላኸሉ ግንባራትን መፍረያይነት ሕርሻን ዝለዓለ ብፅሒት ከምዝሕዙ ሓቢሩ።

ሓፈሻዊ ቑጠባዊ ዕብየት እዚ ዓመት 2.6ሚኢታዊ፤ ኣብ 2018 ድማ 3.2ሚኢታዊ ከምዝኸውን ድማ ተንብዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብተደጋጋሚ የጋጥም ዘሎ ድርቂ ኣብ ምህርቲ ሕርሻ፣ ዋጋን ውሕስና ምግብን ፀገም ይፈጥር ምህላዩ ስዒቡ አብ ቑጠባዊ ዕብየተን ስግኣት ዝፈጥሩ ፀገማት’ዮም ክብል ገሊፁ ኣሎ።

ካብ 2015ዓ.ም.ፈረንጂ ናብዚ ብ10.8ሚኢታዊ ትዓቢ ዘላ ኢትዮጵያ ብኬንያ ተታሒዙ ዝነበረ መሪሕነት ቑጠባዊ ዕብየት ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካ ከምዝመንዘዐት ይገልፅ ፀብፃብ ባንኪ ዓለም።

ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ካብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ቑጠባዊ ዕብየት እተመዝግብ ምብራቕ ኣፍሪካዊት ሃገር ክትኸውን’ያ ክብል ባንኪ ዓለም ተንብዩ ኣሎ። (ኣፍሪካ ኒውስ)