ወጥሪ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብዘተ ክፍታሕ ይግባእ-ሕብረት ኣፍሪካ…

መቐለ ሰነ 11/2009(ድወት) ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞንጐ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብዘተን ሰላማዊ መንገድን ክፍታሕ ቅልጡፍ መፍትሒ ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምስ ኳታር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊን ቑጠባውን ርክብ ምቁራፃን ከምዘይቕበል ዝገለፀ እቲ ሕብረት እተን ሃገራት ኣብ መንጐኣን ዘሎ ኣፈላላይ ንምፅባብ ሰላማዊ ልዝብ ብቕልጡፍ ከካይዳ ሓቲቱ።

ኣቦ ወንብር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህማት ሙሳፋቂ ከምዝሓበርዎ ኣብ መንጐ ኳታርን ብርክት ዝበላ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥጥ እንተቐፂሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ፀጥታን ድሕንነትን እተን ሃገራት ካብ ምዝራግ ብዝሰገረ ኣብ ኣህጉረ ኣፍሪካን ዓለምለኻዊ ጉዳያትን ዓቢ ዕንቅፋት ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብዚ ሰሙን ኣብ መንጐ ሃገራት ኤርትራን ጁቡትን ኣጋጢሙ ዘሎ ውጥጥ ብኣብነት ዝፅራሕ እዩ።

ኤርትራ ምስ ጁቡቲ ኣብዘዋስና ከባቢ ዝነበሩ ወታሃደራት ኳታር ድሕሪ ምውፃኣ ግዝኣት ጁቡቲ ዝኾኑ ከባቢታት ብሓይሊ ከምዝሓዘት ጁቡቲ ምኽሳሳ ዝፍለጥ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪካ ብወገኑ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጁቡትን ዘጋጠመ ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ ኣብ ቐረባ እዋን ናብቲ ከባቢ ሰራዊት ንምልኣኽ ምስተን ሃገራት ይዝቲ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።(ኣፍሪካኒውስ)