15 ሰነ ብደረጃ ክልል ዝኽበር መዓልቲ ሰማእታት ይኽበር ኣሎ…

መቐለ ሰነ 11/2009(ድወት) 15 ሰነ ብደረጃ ክልል ዝኽበር መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።

ምኽትል ሓላፊት ርክብ ህዝብን መንግስትን እታ ወረዳ ወይዘሮ መሰሉ ኣሰፋ ከምዝሓበርኦ መዓልቲ ሰማእታት ንቕንያቱ ብምድላው ምርኢት ባዛርን ምትእስሳር ዕዳጋን ፍርያት ትካላት ንግዲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ምሕጋዝ ደቂ ኣንስትዮ ስድራ ስውኣትን እናተኻየደ እዩ።

ብዜካ’ዚ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምኹስኻስን ምስታይ ማይ ተኽልታት፣ ውድድር ስፖርትን ስነ ፅሑፍን እናተኻየደ ኾይኑ ኣብ ዕሸል ከተማታት እታ ወረዳ ድማ ብምርኢት ሰነዳዊ ፊልሚን ሰላማዊ ሰልፍን ንምኽባር ምድላዋት ይውገን ከምዘሎ ወይዘሮ መሰሉ ሓቢረን።

ብዜካ እዚ ኣብታ ወረዳ ቡሉፃት ሰራሕተኛታት መንግስትን መንቀሳቐሲ ትካላት ንግዲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን መተባብዒ ሽልማት ዝረኽቡሉ መድረኽ ክካየድ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።