ኢትዮጵያ ኤርትራን ጁቡትን ወጥሪ ከህድኣ ፀዊዓ…

መቐለ ሰነ 12/2009(ድወት) ኣብ ዶብ ኤርትራን ጁቡትን ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኢትዮጵያ ፀዊዓ።

ኣብ ዶብ ኤርትራን ጁቡትን ዝነበረ ዓቃቢ ሰላም ኳታር ካብቲ ከባቢ ብምልዓሉ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ድሌት ኢትዮጵያ እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።

ኢትዮጵያ ነቲ ኹነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ነቲ ኹነታት ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ክለኣኽ ዘቅረብዎ ሓሳብ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ።

ኤርትራን ጁቡትን ወጥሪ ካብ ምግዳድ ኣፈላላየን ከፅብባ ድማ ሓቲታ።