ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባረን ንምዕባይ ዘትየን

መቐለ ሰነ 12/2009(ድወት) ሃገራት ኢትዮጵያን ኩዌትን ጥቡቕ ርክብ ክህልወን ክሰርሓ ዘትየን።

ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኩዌት ሸኽ ሳባሕ ኣል ካህሌድ ኣል ኣሕመድ ኣል ሳባሕ ኣብታ ሃገር ዑደት የካይዱ ምስ ዘለው ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ተራኺቦም።

ክልቲኦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ እተን ሃገራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኩዌትን ዘሎ ምሕዝነት ዝምልከት ዝተዛተዩ ኾይኖም ሓበራዊ ተጠቃምነተን አብ ዙርያ ዘረጋግፁ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ምዕባለታትን ዘትዮም።

ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኩዌት ከምዝተረኸቡ’ውን ሓቢሩ ማዕኸን ዜና ኩዌት ኩና። (ኩና)