ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 2.9ቢልዮን ዶላር ተረኺቡ

መቐለ ነሓሰ 01/2009(ድወት)ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኹ ምህርታት ልዕሊ 2.9ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 4.7ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ ዝነበረ ዋላ’ኳ እንተኾነ 61.2ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ግና ምዕዋት ተኻኢሉ ኣሎ።

ምህርታት ሕርሻ ቡን፣ ኣእኻል ቅብኢ፣ ዕምበባ፣ ኣሕምልትን ፍራምረን፣ ስጋን ፀባን፣ ዕጣንን ካልኦትን ናብ ወፃኢ ካብ ሞንጎ ዝተልኣኹ ምህርታት ኾይኖም እቲ ዝለዓለ ኣታዊ ዝተረኸበሎም’ዮም።

ካብ ግንባራት ማኒፋክቸሪንግን መዓድንን ድማ ዓለባ፣ ቆርበትን ውፅኢት ቖርበትን፣ ኬሚካል፣ መዓድናት ሞላሰስ፣ ታንታለም፣ ሓፂነ መፂንን ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወፃኢ ተላኢኾም’ዮም።

ቻይና፣ ኣሜሪካ፣ ኔዘርላንድስ፣ ጀርመን፣ ስዑዲ ዓረብን ሶማሊያን ድማ እቶም ምህርታት ዝተልኣኸለን ሃገራት’የን።