ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ማርስ እቲ ዝዓበየ ኮምፒዩተር ክልኣኽ’ዩ።

ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ኣሜሪካ ሄወሌት ፓካርድ ኢንተርፕራይዝ (HPE) ኣብቲ ዝመፅእ ሶኑይ ምስ ኤጀንሲ ህዋ ሳይንስ ኣሜሪካ (ናሳ) ብምትሕብባር ሓደ ዓብዪ ኮምፒዩተር ናብ ህዋ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ኮምፒዩተር ስፔስ ቦርን ኮምፒዩተር ዝተብሃለ ስርዓት (system) ዝተፅዓነ ኾይኑ ናብ ማርስ ክሳብ ዝበፅሕ ሓደ ዓመት ከምዝወስደሉ እቲ ኩባኒያ ገሊፁ።

እዚ ናብ ማርስ ዝግበር ጉዕዞ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ልኡኽ ንምዕዋት ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ክምዕብል’ዩ ክብሉ ድማ ምኽትል ፕረዝደንት እቲ ኩባኒያ ኣሊያን ኣንድሮይል ተዛሪቦም።

ካብ መሬት ዝግበር ልውውጥ ሓበሬታ ናብ ህዋ ክበፅሕ 20ደቒቓ ዝወስደሉ ኾይኑ ብተመሳሳሊ ካብ ማርስ ናብ መሬት ንዝመፅእ ምላሽ’ውን 20 ደቒቓ ዝወስድ’ዩ። (ሲ.ጂ.ቲ.ኤን)