ጋቦን ሓዱሽ ስትራተጂ ምዕባይ ምህርቲ ነዳዲ ሓንፂፃ

መቐለ ነሓሰ 07/2009(ድወት) ጋቦን ዕቁር ሃፍቲ ነዳዲ እታ ሃገር ንምዕባይ ሓዱሽ ስትራተጂ ምዕባይ ምህርቲ ነዳዲ ከምዝሓንፀፀት ኣፍሊጣ፡፡

ብዕቁር ሃፍቲ ነዳዲ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ዝኾነት ጋበን ብቐንዱ ፍርያት ነዳዲኣ ብምዕባይ ቁጠባዊ ዕቤት ንምርግጋዕ እናሰርሓት እያ ይብል ድረ-ገፅ ኣፍሪካ ኒውስ፡፡

ከምፀብፃብ እቲ ድረ-ገፅ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ ጋበን እቲ 27 ሚኢታዊ ብሃፍቲ ነዳዲ ዝሽፈን’ዩ፡፡

ብምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ዘለዎ ዕቁር ሃፍቲ ነዳዲ ብምዕባይ ንዝቕፅሉ 4ተ ዓመታት ተግባራዊ ዝኸውን ሓዱሽ ስትራተጂ ምህርቲ ነዳዲ ሓንፂፁ ይርከብ፡፡

እቲ ሓድሽ ስትራተጂ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ንዝረአ ምትሓትን ምልዓልን መሰረት ጌሩ ዝተዳለወ’ዩ ክብል ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ይገልፅ፡፡