ዘተን ዲፕሎማስን መፍትሒ ክኸውን ኣለዎ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ

መቐለ ነሓሰ 07/2009(ድወት) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዋላ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝሃብዎ ሓሳብ ከምዝኹንና ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ገሊፀን፡፡

ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኣብ ፓለቲካ ቕልውላው ትርከብ ቬንዙዋላ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ናይ ቐለት ኲናት ከምትርከብ ገሊፁ፡፡

ኣብ መንጎ 2ቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ፓለቲካዊ ምቅሕሓር ብዝምልከት ስግኣትን ዝገለፃ ዘለዋ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ብፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዝተውሃበ ሓሳብ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ንሉኣላውነት ሓንቲ ሃገር ዝጥሕስ’ዩ፡፡

ብፍላይ መንግስቲ ኣርጀቲና እቲ ጉዳይ ዝፍታሕ ብዘተን ዲፕሎማስን እንተኾይኑ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘጉልብቶ እዩ ክብል ገሊፁ፡፡

ኣብ ቬንዙዋላ ኣንፃር መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓመፅ ልዕሊ 120 ሰባት ከምዝሞቱ ፀብፃባት የመልክቱ፡፡

ሃገራት ብራዚል፣ኣርጀንቲና፣ፓራጓይን፣ኡሪጋይን ድማ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቬንዙዋላን ዝተፈጠረ ፓለቲካዊ ዘይምቅድዳው ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍታሕ እናፀዓራ’የን፡፡