ዘካየድዎ ተሞክሮ ልውውጥ ርክብ 2ቲኤን ሃገራት ዘጠናክር’ዩ

መቐለ ነሓሰ 07/2009(ድወት) ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ክኸውን ዘሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ተሞክሮ ልውውጥ ምክያዶም ርክብ መንግስታትን ህዝብን 2ቲኤን ሃገራት ዘጠናክር’ዩ ክብሉ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሶማልያ ገሊፆም፡፡

ንዕላዊ ዑደት ስራሕን ተሞክሮ ስርዓት ፊደራልዚም ንምውሳድን ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሶማለያ ኣወዳድባ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ዝሓሸ ምዃኑ ከምዝተረድኡ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሕሎም ዝሓለፉ 5ተ መዓልትታት ድማ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምራሓን ዑደት ዘካየዱ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዓበይቲ ተሞክሮታት ከምዝርኽቡ ገሊፆም፡፡

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝመርሑ ቐዋሚ ፀሓፊ ሚኒስትር ውሽጢ ዓድን ዕርቐ ሰላም ፌደራልን ዓብዱላሂ መሓመድ ሓሰን ኣብ ሶማልያ ግብረ ሽበራ ንምቕላስን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅን ስርዓት ፌደራሊዝም ኣድላይ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ብምዃኑ ነዚ ንምጥንካር ኣብ ሃገራት ኬንያን ስዊዘርላንድን ተመሳሳሊ ዑደትን ልውውጥ ተሞክሮን ዋላዃ እንተካየዱ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ግና ምስ ነበራዊ ኩነታትን ባህልን ሶማለያ ዝጠዓዓም ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ጉዳይ መግለፂ ዝሃበ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብወገኑ 2ቲኤን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ሰላምን ፀጥታን መሰረተ ልምዓት ምጣነ ሃብታዊን ማሕበራዊን ዓውድታት ርክበን ኣጠናኪርካ ከምዝቕፅላ ገሊፁ፡፡